
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣመሪካ ንትካላት ረድኤት ትህቦ ዝነበረት ገንዘባዊ ምወላታት ደው ክብል ምእዛዙ፡ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ፡ ሞት 14 ሚልዮን ሰባት ከኸትል ከምዝኽእል፡ ላንሰት መዲካል ጆርናል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘቅረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቃሊዑ።
እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ናይ ሂወት ሓደጋ ክገጥሞም ካብ ዝክእል ኣስታት 14 ሚሊዮን ዜጋታት ዓለም፡ እቶም ሓደ ሲሶ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ህጻናት ከምዝዀኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ውሳነ ትራምፕ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዘረድእ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣሜሪካ ንከም USAIDን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ትህቦ ዝነበረት ግዙፍ ሰባኣዊ ሓገዛት፡ ብ80 ሚእታዊት ከምዝነከዮ ምግላጹ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ 14 ሚሊዮን ዜጋታት ዓለም ናይ ሞት ፍርዲ ምኳኑ”ዩ እቲ ዝቀረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘረድእ።
ሓደ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ኣባል ላንሰት ፕሮጀክት ዝዀነ ደቪድ ራሰላ፡ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ብርክት ዝበላ ሃገራት፡ ክረክቦኦ ዝጸንሓ ህጹጽ ሰባኣዊ ረድኤት ሃንደበት ደው ምባሉ፡ ልክዕ ከም ምስፍሕፋሕ ዓለማዊ ለበዳ፡ ወይ ውን ዝውላዕ ደማዊ ኲናት፡ ከጋጥመን ዝክእል ከቢድ ቀውሲ ንክትርዶኦ ዝከብድ ከምዘይኮነ ኣብነት ኣሰንዩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምወላ ሰባኣዊ ረዲኤት ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ምምሕዳር ትራምፕ፡ “ብፍላይ ኣብ ህዝብታት ተን ንሕማም ድርቅን ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ክርአ ንዝጸንሐ ጥዕናዊ ገስጋስ ደው ክብሎ፡ ወይ ውን ብዕስራታት ዓመታት ንድሕሪት ክመልሶ ዝኽእል ሓደጋ’ዩ ብምባል”ዩ ስክፍቱኡ ኣቀሚጡ ዝርከብ።
ምቍራጽ እቲ ምወላ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ፡ ጠንቂ ሞት ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ከምዝኸውን፡ እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ጉጅለ ግምቶም ዘስፈሩ ኮይኖም፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመኦም ህጻናትን፡ ኣስታት 700 ሽሕ ዕሸላት ግዳይ ክኾኑ ምኳኖም ብምግላጽ ትራምፕ፡ ውሳነታቱ ዳግመ ግምት ክገብረሉ”ዮም ዝጽውዑ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ዘየድሊ ወጻኢታት መንግስቲ ክቈጻጸርን ደው ከብልን ንቢልዮነር ኢሎን መስክ ሓላፍነት ሂቡዎ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ”ዩ።