
ጉጅለ ህግደፍ መቀጸልታ ናይቲ ምስ ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ውድብ ህወሓት ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ብኣንፈት ራማ ካብ ጽባሕ ሰንበት ኣትሒዙ ክፉት ንምግባሩ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ፈደራል ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ቅሉዕ ምትፍናን ካብ ዛኣቱ ንድሓር ኣትሒዙ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስንጣቅ ህወሓት መዝሚዙ፡ ምስቲ ብዶክተር ደብረጺዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ብምኳን ኣብ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ተጸሚዱ ምህላውን ድሮ ውን ዓቢ ውሳነታት ንምሕላፍ ድሉው ምህላዉን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ዶባት ትግራይ ኣካል ግዛኣት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ብምኳኑ ግን፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ስጉምቲ፡ ኪንዮ”ቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምርኻብ ዝብል ምኽንያታቱ ዝኸይድ፡ ዝገደደ ጸዋዒ ኲናት ክኸውን ከምዝክእል”ዮም ስጋኣቶም ዘቀምጡ።
ብመሰረት ፈደራላዊ ሕግታት እታ ሃገር፡ ማእከላይ መንግስቲ ንወሰናስን ዶባት እታ ሃገር ናይ ምኽባርን ምሕላውን ምሉእ ሓላፍነት ከምዝስከም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኣብ እዋን ተደምረናል ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ምስ ክልላዊ መንግስቲ ኣይትዛረብን”ያ ዝብል ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሎሚ ንማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ዘይሓወሰ ምሉእ ዶባት ናይ ምኽፋት ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ዘይወግዓዊ ኣዋጅ ኲናት ካብ ምኳን ዝንእስ ከምዘይኮነ”ዮም ዝገልጹ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ካድራቱ ኣቢሉ ንታሕተዎትን ማእከሎትን መራሕትን ኣዘዝትን ሰራዊት ፡ በብኣሃዱታቶም ሓጸርቲ መምርሒታት ብደረጃ ኣኬባ ይህብ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጾም።
ትሕስቶን ዕላማታትን ናይቲ ብካድራት ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ዝተወደበ ኣኬባታት፡ ሰናይ ርክብን ካብ ተጻብኦ ናጻ ምዃን ብዝብል መጎሳጎሲ ሰነድ ዝተማእከለ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ትግራይን፡ ምስቶም ካብ ተጻቦኦ የዕሪፎም ዘይፈልጡ ክብል ዝገለጾም መራሕቲ ህወሓትን፡ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ንምስራሕ ኣብ ምሉእ ምርድዳእ ከምዝበጽሐ ዘረድእ ኮይኑ፡ ምስቶም ካብ ሽግራት ዝተማህሩን ምሳና ርክብ ዝገበሩን ደለይቲ ለውጢ ክብል ዝገለጾም መራሕቲ ህውሓት፡ ምሉእ ብምሉእ ናብ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ ከምዛኣተወ ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝገለጸሎም”ዩ እቲ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብቲ ኣኬባታት፡ ካብታ ከዳሚት ዝተባህለት ናይ ቅድም ወያነ ፈንጢሶም ዝወጹ ብዶክተር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝመርሑ ደለይቲ ለውጢ መራሕቲ ህወሓት ኣለዉ ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ወትሩ ንሰላም ኢዱ ዝርጉሕ ብምኳኑ፡ ሰለማዊ ጽምዶ ንምዝርጋሕ ኣብ ስራሕ ምህላዉን፡ ኣብ ዶባት ዝግበር ርክባት ወግዓውን ግሉጽን ክሳብ ዝኸውን፡ ካብ ተጻብኦ ሓራ ዝኾነ ርክባት ክቕጽል ምኳኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ዝካየድ ርክባት ዝሳዕረረ ከይከውን ከኣ ብመአረምታ ዝሕለፍ ምክትታል ክግበር ኣለዎ ዝብል ጥብቂ መምሪሒ ክህቡ ምቅናዮምን፡ ድሮ ውን ኣብ ከባቢታት ኢሮብ፡ መረብን ግንባር ዘላምበሳን ክስራሓሉ ከምዝቀነየን”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ካድራት ህወሓት ብወገኖም ኣብ ሓደ ቅንያት ብተመሳሳሊ ምስቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኣኬባታት ኣብ ምክያድ ከምዝቀነዩ ምንጭታት ኤሪፒኤም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ታሕታይን ላዕላይን ቆራሮን መረብ ለኸን፡ ምስ (ህዝባዊ ግንባር) ናይ ሓባር ግንባር ምግባር ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዘይንስጉመሉ ምክንያት የለን፡ ብቐደሙ ውን ከሙኡ ብምግባር ኢና ተዓዊትና ዝብል ቃላት ብምጥቃም፡ ነዚ ዕድል ተጠቂምና ውሕስና ውድብናን ውሕስነት ህዝብናን ዘይነረጋግጸሉ ኣብነት የለን እናበሉ፡ ብደርጃ ህዝብን ብደረጃ ኣብ ከባቢ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከብ ሰራዊትን፡ ናብ ወረዳን ጣብያታትን ይንቀሳቐስሉ ምህላዎም”ዩ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘነጽር።