
ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራ ሸቐጣ ሸቐጥ ዝጸዓና ዓበይቲ መኻይን ኣብ ክልል ዓፋር ተዓጊተን ናብ ትግራይ ከያኣትዋ ካብ ዝኽልከላ ድሮ ሻድሻይ መዓልተን በጺሑ ምህላዉ ተገሊጹ።
እተን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ጅቡትን ተበጊሰን ናብ ትግራይ ዘቅንዓ ዝነበራ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን፡ ኣብ ክልተ ሰለስተ ኬላታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራ – ወልድያን ተዓጊተን ምህላወን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ስጕምቲ ካብ ዝውሰድ ድሮ ሓደ ሰሙን በጺሑ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ማሕበረሰብ ነጋዶን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ቢቢሲ ንነበርቲ ትግራይ ኣዘራሪቡ ኣብ ዝገለጾ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ሞንጎ ትግራይን ወልዲያን ዝርከብ ከባቢ ሰርዶ መይዳ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ኬላ ምስ መኪንኡ ተዓጽዩ ዝርከብን፡ ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየን መራሒ መኪና፡ እተን ናብ ትግራይ ዛኣትዋ ዓበይቲ መካይና ናይ ምክልኻል ተግባራት ካብ ዝሓለፈ ቀዳም 24 ግንቦት ኣትሒዙ ዝተኸስተ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ሰኑይ ረፋድ ድሕሪ ዝተገብረ ዝርርብ ‘ሕለፉ’ ተባሂሎም ጕዕዞ ጀሚሮም ምንባሮም እኳ እንተገለጸ፡ ይኹን እምበር እቲ ዓበይቲ መካይን ናይ ምዕጋት ተግባራት ገና ይቅጽል ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ትማሊ ኣማሲዩ መግለጺ ዝሃበ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ትግራይ ብወገኑ፡ ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራን ሸቀጣ ሸቀጥ ዝጸዓናን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ካብ ዝዐገታ ድሮ 6 መዓልቲ ዝገበራን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን ብህጹጽ ንክፍታሓ፡ መንግስቲ ፍታሕ ንክገብረለን ጻውዒት ኣቅሪቡ።
ሰርዶ መይዳ ኣብ ዝበሃል ንመቐለ ዝግንጽል ከባቢ፡ ሸቐጣ ሸቐጥ ዝጸዓና ብዙሓት ዓበይቲ ኣይሱዝን መኻይን፡ ምስ ተስሓብትን ጠጠው ኢለን ከምዘለዋ ዝገለጸ ትግራይ ቲቪ፡ ይኹን እምበር
ምኽንያት መእሰሪኤን ንጹር ከምዘይኮነን፡ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ክርኸቦ ከምዘይተኻእለን”ዩ ዘረድእ።
ዳርጋ ኵለን እተን ተሽከርከርት ሕጋውያን ምዃነን ዝገልጽ ሰነድ ከም ዘለወንን፡ ምኽንያት እቲ ክልከላ ውን ብወግዒ ከም ዘይተገልለንን ኣብ ሓበሬቱኡ ዝጠቐሰ ቴለቪዥን ትግራይ፡ መራሕቲ ናይተን ተዓጊተን ዘለዋ መካይን፡ ነቶም ደው ንኽብላ ዛኣዘዙ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ቀሪቦም ከዘራርቡዎም ኣብ ዝፍትንሉ እዋን፡ ንሳቶም ንባዕሎም እውን ምኽንያት መእሰሪኤን እንታይ ምኳኑ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ከምዝገለጽሎም”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኤጀንሲ ንግድን ሰደደን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምትእስሳራትን ሚኒሰተር ንግድን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ብዛዕባ እገዳ ተን ዓበይቲ መኻይን መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ ምህላዉ ኣብቲ ሓበሬታ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ፍታሕ ገና ከምዘይተረኽበ”ዩ ዘረድእ።
“የሹፌሮች ኣንደበት” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ናይ ፌስቡክ ገጽ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ክስተት ኣመልኪቱ፡ ምስሊ ኣሰንዩ ደጋጊሙ ዝጸሓፈ ኰይኑ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ተግባር፡ ብመንጽር ሕግን ሞራልን ተቐባልነት የብሉን ክብል”ዩ ተቓውምኡ ገሊጹ ዝርከብ።
ብዛዕባ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ እገዳ ዓበይቲ መኻይን ኣምለኪቱ ካብ መንግስቲ ፈዴራል ኮነ ካብ መንግስቲ ክልል ዓፋር ዝተዋህበ መብርሂ የለን ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ዕዳጋታት ትግራይ ቀውሲ ከይፈጥር ተፈሪሁ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።