
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬን ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ንኸብሎ፡ ናይ ክልተ ሰሙን ገደብ ግዜ ከምዝሃበ ገሊጹ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ክትፍጽሞ ዝጸንሐት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዝሓየለ መልክዑ ትቅጽሎ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፑቲን ኲናት ዩኽሬይን ደው ንክብል ድላይ ኣለዎ ዲዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ድላይ ፑቲን ክነግረኩም ኣይክእልን”የ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግን ክትፈልጡ ኢኹም” ብምባል፡ ንፑቲን ናይ ክልተ ሳምንታት ዕድል ሂብዎ ምህላዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ተሪር ነቐፌታ ከስምዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፋላይ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ፑቲን “ፍጹም ዕቡድ” ምዃኑን “ብሓዊ ይጻወት” ምህላዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጽሕፍ ምጅማሩ፡ ቃላት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣብ ጉዳይ ዩክሬይን ተበጊሱ ዝጸንሐ ተስፋ ዝህብ ናይ ሰላም ኩነታት ፍረ ክርኸቦ ኣይክእልን ናብ ዝብል መደምደምታ ዝወስድ ምኳኑ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ሩስያ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፈአ ከምዝኮነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኬቭ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ 13 ዩክሬናውያን ከምዝሞቱን፡ ህጻናት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ውን ብኸቢድ ተሃሪሞም ምህላዎምን”ዩ ዝንገር።
ኣብ ቃላቱ፡ ዝቅጽል ክልተ ሳምንታት ቭላድሚር ፑቲን ምሳና ይሰማማዕ ዲዩ ዋላስ ኣይሰማማዕን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ ኢና ዝበለ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ብመርገጺ ቭላድሚር ፑቲን ትዕግስታ ትጽንቅቅ ምህላዋን፡ ዝተበገሰ ናይ ሰላም መንገዲ ውን ትርጉም ናብ ዘይብሉ ኩነታት የምርሕ ምህላዉን”ዩ ኣሚቱ ዝርከብ።
ምስ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ክልተ ሰዓታት ርክብ ቴለፎን ዘካየደ ቭላድሜ ፑቲን፡ ንሰላም ቅሩብ ምህላዉ ገሊጹ ከብቅዕ ኣብ ናይ መዓልታት ፍልልይ ኣብ ልዕሊ ይክሬይን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምፍጻሙ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ኣዚዩ ከምዝተቆጠዖ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክገልጻ ምቅናየን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዩክሬይን ብወገና ኣመሪካ ትከዶ ዘላ ኣካይዳ፡ ሩስያ ዝያዳ ንክትዳሎ ዕድል ዝህብ”ዩ ብምባል፡ ቅሬታኣ ተስምዕ ምህላዋ”ዩ ዝንገር።
ኣርብዕተ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት ዩክሬይን፡ ሩስያ ን ክሬሚያ ሓዊስካ ሓሙሽተ ግዛኣታት ሩስያ ተቆጻጺራ ምህላዋ ዝፍለጥ”ዩ።