
ብጉጅለ ህግደፍ ናብ ክፍሊ ተዓሊም ሳዋ ኣትዮም፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ ምውሳድ ዝጸንሑ ናይ ጀነራል ኣልቡርሃን ሰራዊት ሱዳን፡ ተዓሊሞም ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ምህላዎም ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ኣባላት ናይ’ቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ምኳኖም ዝተገልጹ እቶም ሰልጠንቲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ብፍቓድ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ መዓስከር ሳዋ ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ ጽዑቅ ተዓሊማትን ወተሃደራዊ ምድላዋትን ምጽንሖም ዝገለጹ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ድሮ ተዓሊም ዛዚሞም ሰራዊት ሱዳን ምስ ብሓምዳን ደጋሎ ሕሜቲ ዝምራሕ ሰራዊት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ግጥማት ንምስታፍ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ምህላዎም”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘይካ”ቶም ኣብ ወተሃደራዊ ተዓሊም ጸሚድዎም ዝጸንሐ ሱዳናውያን ኣባላት ሰራዊት፡ ንብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ውን፡ ምስቲ ሰራዊት ሓዊሱ ናብ ሱዳን ሊኢኹ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ውን ከም ኣመሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ኣትዩ ንኽጠፍእ ብዕላማ ይሰርሕ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ፡፡
ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣባጓይላ ህውከትን ዕግርግርን ብምኳን ኣብ ዝመጸ ግጭት ኢዱ ብምሕዋስ ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ውን ኣብ ዞባ ፖርት ሱዳን ንዝረአ ዘሎ ደብዳብ ድሮናት ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንምምካት፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ብምስላፍ፡ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዶባት ሱዳን የጸግዕ ምህላዉ ኢዩ ኣብ ግዚኡ ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ንዶባት ሱዳን ተሳጊሩ ዘሎ ኣሃዱታት ኣጋር ሰራዊት ኤርትራ ውን፡ ብእከይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ተፈሪዱ፡ ንዝተረፈ ኲናት ሱዳን ክመርሕ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ክልተ ዓመቱ ሒዙ ኣብ ዝርከብ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን፡ ንገለ ክፋል ሱዳን ተቆጻጺሩ መንግስቲ ብምኳኑ ንሱዳን ኣብ ክልተ ገሚዑ ዝርከብ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ፡ ንከተማ ካርቱም ገዲፍዋ ድሕሪ ምኻዱ፡ ኣብታ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ተኺላ እትርከብ ፖርት ሱዳን፡ ብነብሰቅትለታውያን ድሮናት ዝተሰነየ ኣዚዩ ሓያል ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ዓቢ ናይ ነዳዲ ዲፖታትን በይዝ ሓይሊ ባሕሪ ሱዳንን ምሉእ ብምሉእ ከምዘዕነዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ግጭት ሰራዊት ብምዕላምን ኣጽዋር ብምቅባልን ቅሉዕን ስውሩን ምትእትታው ኣብ ምግባር ዝጸንሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰራዊት ሱዳን ንምሕጋዝ ብከባቢታት ፖርት ሱዳን ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብፈጣናት ጀላቡ ከጸግዕ ምጽንሑ ተገሊጹ”ዩ።
ሃንዳሲ ውግእን ወረ ውግእን ብምኳን፡ ዲሞክራሳዊ ጠላባት ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝሃልኽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተካየዱ ኩሎም ግጭታት ኢዱ ክሕውስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብስም ሓድነት ሱዳን ምስ ሰራዊት ኣልቡርሃን፡ ብስም ጽምዶ ከኣ ምስ ሓይልታት ፋኖን ሕዋሓትን ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ዝቀንዐ ልፍንቲ መስሪቱ፡ መንእሰያት ሃገር ንኸንቱ ከህልቆም ይሰርህ ምህላዉ ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን።