
ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ፈደራል ብምኳን ንኢትዮጵያ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብኣስታት 55 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢታት ናብ ጠፈር በጺሑ ንክምለስ መደብ ሒዙ ምህላዉ፡ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክግለጽ ድሕሪ ምምሳዩ፡ ኣብ ህዝብታት እታ ሃገር ከቢድ ቑጥዐ ፈጢኡ ምህላዉ ተገሊጹ።
ትማሊ ኣማሲዩኡ ብርክት ዝበላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ካብ መሓውራት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንዝተረክበ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ መራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ናብ ጠፈር ዝበጽሐ ቀዳማይ መራሒ ሃገር ንምኳን ኣብ መደብ ምህላዉ ዝገለጻ ኮይነን፡ ሰብ ሞያ ሕክምናን መምሃራንን ብሰሪ ሕጽረት ዶሞዝ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጸዊዖም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኣስታት 55 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢታት ናብ ጠፈር ንምኻድ ኣብ መደብ ምህላዉ ዝሰምዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብከቢድ ተቆጢዑ ምህላዉ”የን ዝገልጻ።
ዕላማ ጉዕዞ ጠፈር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢ መልእክቲ ዝሓዘ ከምዝከውን ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ንሰላም ሓድነትን ዕብየትን ዝገልጽ መልእክትን፡ ኣገዳስነት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝገልጽ መረዳእታን፡ ኣብቲ ጉዕዞ ክቀርብ መደብ ተታሒዝሉ ምህላው ዝጠቀሳ ኮይነን፡ ይኩን እምበር እቲ ዜና ድሮ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢኡ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ታሪኽ ዛ ዓለም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብ ጠፈር ዝበጽሑ ውልቀሰባት ብቁጽሪ 721 ምኳኖም ኣብ መዝገብ ሰነዳት ታሪኽን ምርምርን ተቀሚጡ ዘሎ ኮይኑ፡ ካብዞም ልዕሊ 700 ዝቁጽሮም በጻሕቲ ጠፈር ዝኮኑ ውልቀሰባት፡ ሓደ መራሒ ሃገር እኳ ዘየለ ክነሱ፡ ህጹጽ ሰባኣዊ ሓገዝ ዝሓትት ልዕሊ 20 ሚሊዮን ህዝቢ ንዝሓዘት ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጠፈር ኮይኑ መልእክቲ ዕብየት ንምትሕልላፍ ምሕላኑ”ዩ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ቁጥዐ ፈጢኡ ዝርከብ።
ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት፡ ዋንነት ሲንጋፖር ትካል MIRS ዝኮና ኣስታት 5 ሽሕ ድሮናት ተኻርዩ፡ ብልዕሊ 66 ሚሊዮን ብር ወጻኢታት፡ ኣብ ሰማያት ኣዲስ ኣበባ ናይ ድሮናት ትያትር ዘቅረበ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ነቲ ብውዕል ክራይ ዝተገብረ ምሪኢት ድሮናት INSA ብዝተሰምየ ትካል መርበባዊ ስለያ እታ ሃገር ዝቐረበ ምሪኢት ምኳኑ ንህዝቢ ክነግር ምፍታኑ፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ከቢድ ነድሪ ፈጢሩ ዝቐነየ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ቅድሚ መዓልታት ኣዛራቢ ዛዕባ ከይተዓጽወ ሕጂ ውን ናብ ጠፈር ብምጓዓዝ መልእክቲ ከሕልፍ ኣብ ምድላው ምህላዉ፡ ኣብ ህዝብታት እታ ሃገር ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒት ዝፈጥር ሓደገኛ ክስተት ምኳኑ”ዮም ብዙሓት ነጠፍቲ ማሕበራዊ መራከቢታት ዝገልጹ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ትግራይ ዝተከስተ ኣስካሕካኺ ኲናት፡ ምስ ሓይልታይ ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ናብ ኲናት ኣትዩ፡ ብቢልዮናት ዝትመን ሃብቲ ሃገር ኣብ ኲናት ዘውዕል ዘሎ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትርጉም ሰላም ንምግላጽ ኣብ ጠፈር ኮይኑ መልእክቲ ከመሓላልፍ ኣብ ምቅርራብ ምህላዉ ኣብ ብዙሓት ኣግርሞት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።