
ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረን፡ ኣብ’ዚ ሰዓት ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምኳን ኣብ ስራሕ ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳን፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን፡ ኣብ ጉዳይ ውዕል ፕሪቶርያን ንዘጋጠመ ሽግራትን፡ ተፈጻምነቱ ብህጹጽ ንከይትግበር ዝዓንቀጾም ማሕለኻታትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ብወገን ኣባላት ውድብ ሕዋሓት ክወጽእ ዘይነበሮ ምስጢራት ንደገ ይወጽእ ሰሪ ምንባሩ፡ እቲ ስምምዕ ናብ ክልተኣዊ ምርድዳእ ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ዝወሰዶ ግዜ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመት መስዋእትነት ክኽፈል ከምዝገደደ ገሊጾም።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ጅቡትን ደሴት ሲሸልስን ኣብ ዝተካየደ ክልተኣዊ ዘተ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ብቅልጡፍ ክፍጸመሉ ዝኽእል ዓቢ ዕድላት ምንባሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ንደገ ዝወጽእ ዝነበረ ምስጢራት ካበይን ብኸመይን ይወጽእ ምንባሩ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ግን፡ ካብቶም ብጾተይ ዝብሎም ኣካላት ዝብገስ ምንባሩ ከምዝረጋገጸን፡ ሕፍረት ከምዝተሰመዖን ብምግላጽ፡ ክሳብ ፕሪቶርያ ዝነበረ ግዚያት ሓላፍነት ዘጉደለ ኣካይዳታት ምንጪ ዘይተደልየ መስዋእቲ ክኸውን ከምዝኸኣለ”ዩ ዝገልጽ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ብወገኑ፡ ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ኣብ ጽቡቅ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ ክልተኣዊ ዝርርባት ሕዋሓትን መንግስቲ ፈደራልን፡ ግዜ ከይወሰደ ምስጢራቱ ተዘርዩ ንደገ ይወጽእ ምንባሩ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተዛተይቲ ኣካላት ምጥርጣራት ንክፍጠር ዓቢ ምኽንያት ምንባሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ኩነታት ዓቢ ዋጋ ከምዘኽፈለ”ዩ ዝገልጽ።
ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ፡ ንሕዋሓት ከም ሽበራዊ ጉጅለ ምጥማትን፡ መሬታዊ ሕቶ ትግራይን፡ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣጸገምቲ ምስ ምንባሮም ከምዝመሓየሹ ከምዝተገብረ ኣብቲ ዘተ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኣከራኻሪ ዝበሃል መሬት፡ መሬት ትግራይ ከምዘይኮነ ንኽፍርሙ ከምዝሓተቶም ዝገለጸ ጌታቸው፡ ብሕገመንግስታዊ መሰል ዝምለስ ምኳኑ ብምግላጽ ዝነጸግዎ ሕቶኦም ተቀባልነት ረኺቡ እቲ ውዕል ዕዉት ኮይኑ ከምዝተዛዘመ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ፕሪቶርያ ከይዶም መንግስቲ ኣፍሪሶም መጽዮም ንዝብል ክሲ ዝመለሰ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ክቀርበሉ ዝጸንሐ ክሲ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ፕሪቶርያ ኢትዮጵያ ሓደ መንግስቲን ሓደ ሰራዊትን ክህልዋ ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተሰማምዑ ብምጥቃስ፡ ሕዋሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ መጠን ሰራዊት ክህልዎ የብሉን ኣብ ዝብል ነጥኒ ከምዝተሰማምዑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ሕዋሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝጸንሐ ተዛማዲ ሰላም፡ ቀስ ብቐስ ናብ ሓደገኛ ኣንፈቱ የምርሕ ምህላዉ ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ትማሊ ዘተ ብተመሳሳሊ፡ ወግዓውያን ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ዝኮኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ሬድዋን ሑሴንን፡ ንውድብ ህወሓት ዝነቅፍ ስምዕታ ሒዞም ምቅራቦም፡ ዓሪጉ ንዘሎ ምትፍናን ክልቲኦም ሓይልታት ዘራጉድ መርትዖ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።