
ኣብ ታሪኹ፡ ብጾቱ ብምክሓድን ምእዙዛት ኣገልገልቱ ንዝኮኑ ሰባት ተጠቂሙ ብምጉሓፍን ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ነቲ ብስም ጽምዶ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሽርሒ ኣሰላልፋ ተጻቢኦም ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ቶም ዘይዕግበቶም ዘስምዑ እሙናት ኣገልገልቱ ናይ ቅንጸላ መደባት ከካይድ ምጅማሩ፡ ነቶም መሲልዎም ተጸጊዖሞ ዘለዉ ተማእዘዝቲ ዜጋታት ዓቢ ደወል ክኸውን ከምዝግባእ ተቓለስቲ ንፍትሒ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ኣብ ህዝባዊ ሰውራ ኤርትራውያን ተጸፍዩ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ብጾቱ ናይ ክሕደት ቃጽያታት ብምፍጻም ዝመጸ ጉጅለ ምኳኑ ዝገለጹ እቶም ተቓለስቲ፡ ህግደፍ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ኩነታት፡ ሰውራ ዲሞክራሲ ኣየፍቅድን”ዩ ብዝብል ቃላት ምኹኑይ ንምግባሩ ዝቃለስ ዋላ ዳኣ ይኹን እምበር፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘባህርሮ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዘይኣምን፡ ብድላይ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጥራሕ ዝምራሕ ናይ ቅንጸላ ጉጅለ ምኳኑ ግን፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝፈጸሞ ናይ ምስዋር ገበናት ንምርዱኡ ከምዘይከብድ ብምጥቃስ፡ ምስቲ ውልቀምልካዊ ጉጅለ ምእዙዝ ኣካይዳ ዝክተሉ ዘለዉ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ዝኮነ ይኩም ሰዓት ሓደጋ ክገጥሞም ምኳኑ ክርዱኡ”ዮም ዘተሓሳስቡ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ከም እሙናት ኣገልገልቱ ንዝነበሩን ምስጢር የሕሊፉ ንዝሃቦም ዜጋታት ብምስዋርን ምጭዋይን፡ ንብዙሓት ግሩሃት ግዳይ ክገብር ምጽንሑ ዝጠቀሱ ተቃለስቲ ፍትሒ፡ እዚ ትማሊ ብመንገዲ ኳደረ ኣወል ስዒድ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ናይ ዓመታት ኣገልጋሊ እቲ ጉጅለ ነበር ኣለና ዋልታ ሃገር ዝተፈጸመ ናይ ቅንጸላ ቃላት፡ ህግደፍ ብናይ ሓሳብ ፍልልያት ዝስንብድ ረዓዲ ጉጅለ ስለዝኾነ ተጠቒምካ ናይ ምድርባይ ተግባራቱ ድሕሪ ሕጂ ውን ክገድፎ ከምዘይኮነ”ዩ ዘነጽር።
ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ንነዊሕ እዋን ኣገልጋሊ ናይቲ ጉጅለ ብምኳን ኣብ ፕሮፖጋንዳዊ ንጥፈታት ኣብ ምስታፍ ንዝነበረ ኢሰያስ ደበሳይ ዝተባህለ ስነጥበባዊ፡ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ኣተወ ዘጋጠሞ ሓደጋን፡ ክሳብ ካብ ሃገር ሃዲሙ ክወጽእ ዝተገደደሉ ኩነታትን፡ ንምስሊ ጉጅለ ህግደፍ ብልክዕ ዝገልጽ ኣጋጣሚ ምንባሩ ዘረዱኡ ተቓለስቲ፡ ብዙሓት ነቲ ጉጅለ ኣሚኖም ብግርህና ክንቀሳቀሱ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ዜጋታት ስውር መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ንዓመታት ከገልግሎ ዝጸንሐ ሚዲያ ኣለና ዋልታ ሃገር ኣገልግሎቱ ኪሒዱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከዋርዶ ምፍታኑ ውን፡ ንብዙሓት ደወል ክኸውን ከምዝግባእ”ዮም ዘተሓሳስቡ።
ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ኣንጻር ሓሳብካ ምግላጽ ዘባህርሮን፡ ልዕልና ሕጊ ዘይክተልን ፋሉል ጨፍላቂ ጉጅለ ምኳኑ ንኩሉ ንጹር እንዳኮነ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንቃልስና ብፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ሸየጥቲ ሃገር ዝብል ሳጓ ኣጠሚቁ ንብዙሓት የእሚኑ ክኸዶ ዝጸንሐ ጉዕዞ፡ ሎሚ በቲ ኣብ ልዕሊ እሙናት ኣገልገልቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ክሕደት ተግባራት፡ ሸያጥን ከሓድን መን ምኳኑ ንምግንዛቡ ንጹር ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለጹ ተቓለስቲ፡ ምስቲ ጉጅለ ልብኻ ኣውዲቅካ ዝግበር ስምዒታዊ ኣካይዳ፡ ንቀጻሊ ውን ሳዕቤናቱ ቀሊል ክኸውን ከምዘይኮነ”ዮም ዝገልጹ።