
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ደሃያ ሃጢሙ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተረኽበት ተገሊጹ።
እታ ቅድሚ ከባቢ ኣርባዕተ መዓልታት ዝተሰወረት ጃልባ፡ ብዝሒ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሒዛ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ኣብ ምጓዓዝ እንዳሃለወት ከምዝተሰወረት ብርክት ዝበላ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላሕ ዝጸንሓ ኮይነን፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን ኣብ ሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራ ኣትያ ምህላዋ”ዩ እቲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘነጽር።
ብመሰረት እቲ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝቀባበላሉ ዘለዋ ሓበሬታ፡ እታ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ቅድሚ ምስጋራ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰወረት ጃልባ፡ ናብ ኤርትራ ምእታዋ ዝግለጽ ዘሎ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ንህሉ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝወጸ ዝኮነ ይኩን ወግዓዊ ሓበሬታ ዘይምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ነቲ ሓበሬታ ዘረጉድን ንሃለዋት እቶም ሰጋሩ ስደተኛታት ዝገልጽን ዝኮነ ተወሳኪ ሓበሬታ ካብ ኤርትራ ክርከብ ከምዘይተኻእለ ዘረደአ እቲ መግለጺ፡ ገለ ካብቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ግን ብናይ ኤርትራ ተሌፎን ናብ መቅርብ ቤተሶቦም ናይ ደወል ሓበሬታ ምምሕልላፎም ብምጥቃስ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ኣትዮም ምህላዎም ንምግማት ከምዝተካእለ”ዮም ዝጠቅሱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተከሲቱ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ሕሰምን፡ ፍታሕ ክርከቦ ዘይተካእለ ናይ ኲናት ሽግራትን፡ መንእሰያት እታ ሃገር ብዝከፈአ መልክዑ ንስደት ይውሕዙ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ንምስጋር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ምስ ጸጥታዊ ሓደገኛነት እቲ ከባቢ ተረጺሞም ኣደዳ ጃምላዊ ሞት ይኮኑ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ”ዩ።ኢ