
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ብመንገዲ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝቀረበን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነ ህሞት ኲናት ክውላዕ” ከምዝኽእል ዝገልጽ ምጉት፡ መርኣያ ናይቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ ድሌት ኲናት’ዩ ብምባል ንተግባራት እቲ ጉጅለ ሓራ ዝገበረ መግለጺ ሂቡ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ የማነ ቻርሊ፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ግብረመልሲ ጽሑፍ፡ ሪኢቶ ጀነራል ጻድቃን “ኣካል ናይቲ ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምጉባጥ ዝግበር ናይ ሃቀና ኣጀንዳ”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ጉጅለ ብመንገዲ ዕጡቃት ሓይልታት እታ ሃገር ኣቢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ለውጢ ንምርግግውጽ ዝገብሮ ዘሎ ተኩታኺ ተግባራቱ ክጠቅሶ ኣይመረጸን።
ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ብሰኑይ 10 መጋቢት 2025 ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝህሉ ሓድሽ ኲናት ንካርታ ሃገራት ዝቕይር ከም ዝኸውን ምእማቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንወደብ ዓሰብ ከም ፖለቲካዊ ጠላዕ ዝጥምታ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኲናት ሸውሃቱ ንምዕጋብ ኣብ ምትኩታክ እንዳሃለወ፡ ተሓላቂ ሉኡላዊ ግዛኣት ሃገር ኮይኑ ክቀርብ ምፍታኑ ዘገርም”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ትማሊ ብመንገዲ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፡ ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመተምህረት ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ንምቁጽጻር ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ነቲ ካብ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝለኣክ ዝነበረን ንዓሰብ ግደፍዋ ዝብል ትእዛዛት ግን ክጠቅሶ ኣይተሰምዐን።
ጀነራል ጻድቃን “ናይ መወዳእታ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምጥቃሱ፡ ብዛዕባ’ቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝድለ ዘሎ ኲናት እኩል ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዝእምት’ዩ ዝበለ መግለጺ የማነ ቻርሊ፡ ኣንጻር መንግስቲ መርገጺ ንዝወሰዱን፡ ብረት ንዘልዓሉን ሓይልታት ዝድግፍ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወራር ይሕሰበለይ ኣሎ ክብል መጎታዊ ዘይምኳኑ ውን ክጠቅሶ ኣይከኣለን።
ካብ ፖለቲካዊ ተነጽሎን ህዝባዊ ሕቶታትን ንምህዳም፡ ወትሩ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ኲናት ክመርሖ ዝህቅን ጉጅለ ህግደፍ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዘይቅዱስ ኪዳን ኣብ ዛኣሰረሉ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ንዝሓስቦ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ንምክንዋን ጥራሕ፡ ንሉኡላዊ ግዛኣት ኤርትራን፡ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራን ዘድፍር ቃላት እንዳተጠቅመ ንኢትዮጵያ ናብ ከቢድ ደማዊ ግጭት ክታኣቱ ምክንያት ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ብመንገዲ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ንስካ ኢካ ትመርሓና ዝበለ ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ወረርቲ ይመጹኻ ኣለዉ ክብሎ ምፍታኑ፡ መርኣያ ናይቲ ንኲናት ዘለዎ ቅሩቡነት ዘረጋግጽ ምኳኑን፡ ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣትሒዙ ኣብ ሃገር ምሉእ ተኣዊጁ ዝርከብ ናይ ክተት ጻውዒት ውን ነዚ ሓቂ”ዚ ዘራጉድ ምኳኑን ንጹር”ዩ።