ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓይልታት ሱዳን ድሕሪ ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ቁጽሪ ግዳያት ኲናት፡ ልዕሊ”ቲ ዝተገመቶ ከምዝኮነ ዝተካየደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣነጺሩ።
ከተማ ለንደን ኣብ ኣብ ዝመደበሩ፡
*ስኩል ኦፍ ሃይጅን ኤንድ ትሮፒካል ሜድስን* ዝርከብ፡ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ ዝስሙ ጉጅለ ብዘካየዶ መጽናዕቲ መሰረት፡ ግጭት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ጥራሕ ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ሕማምን ጥምየትን ውን ቀንዲ ምክንያት ቶም ግዳያት ከምዝኮነን ኣብ ዘቅረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣረጋጊጹ።
ንዝሓለፈ ከባቢ 19 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ሕድሕድ ሱዳን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥሜት ዓጸቦን ኣቃሊዑ፡ ብደረጃ ዓለም ዝሓሰመ ኩነታት ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝፈጠረን፡ ሂወት ልዕሊ 20 ሽሕ ዜጋታት ከብ ዝበልዐን፡ ብመንገዲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ክግለጽ ወላ”ኳ እንተጸንሐ፡ ኩነታት እቲ ሓደጋ ግን ልዕሊ”ቲ ዝተገመቶ ምኳኑ”ዩ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝገልጽ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዝኮነ ቶም ፔሪሎ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ከቢድ ኵናት፡ ቁጽሪ ግዳያት ብልክዕ ንምስናድ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ጠቂሱ፡ ቁጽሪ ግዳያት ክሳብ ከባቢ 150 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝክእል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር መጽናዕታዊ ጸብጻብ ዘ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ ግን፡ ቁጽሪ ግዳያት እታ ሃገር ልዕሊ”ቲ ዝተገመቶ ከምዝከኮነ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ዘ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ካርቱም ካብ ዘጋጠመ ሞት፡ ናይ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ግዳያት ቁጽሪ ከም ዘይተመዝገበን፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእልን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ክፋላት እታ ሃገር፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዝኣት ዳርፉር፡ ልዑል መጠን ዘለዎ ቅትለትን ምጽናት ዓሌትን ውን ከም ዝተፈጸመ”ዩ ዝገልጽ።
መራሒት እቲ መጽናዕቲ ጸብጻብ ዝኮነት ዶክተር ሜይሰን ዳሃብ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ካብ ከተማ ካርቱም ወጻኢ ኣብ ዘሎ ዞባታት ንዘጋጠመ ቁጽሪ ሞት ግዳያት ንምርግጋጽ፡ እኹል ሓበሬታ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፡ ብሰንኪ ግጭት ሕድሕድ ናይ ዝተጎዱኡ ግዳያት ጠቕላላ ኣሃዝ ብልክዕ ንምርግጋጹ ኣጸጋሚ ከምዝኮነን ዝገለጸት ኮይና፡ ህሉው ኩነታት ሱዳን፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ወሪዱ ንዘሎ ሰባኣዊ ክሳራ ክተረጋግጽ ዘፍቅድ ብዘይምኳኑ፡ ቁጽሪ ግዳያት ልዕሊ”ቲ ዝግመቶ ኣዚዩ ዓብዩ ምህላዉ”ያ ትገልጽ።