ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ-ባሕሪን ጽልዋአን ንምሕያል ተቓሪበን ክሰርሓ መሪጸን ዘለዋ ናይ ቅድም ተቐናቐንቲ ዝኾና ግብጽን ቱርክን፡ ብጉዳይ ጸጥታ እዚ ዞባ ክልተ ላዕለዎት ርክባት ከምዘቃንዓ ተሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ፡ እቶም ልዝብ ብምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ኢሃብ ዓውድን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ዳይረክተር ጀነራል ዴስክ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝኾነ ኤሊፍ ኡልገንን ተመሪሖም ከምዝተኻየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ርግኣት ንምዕሳል ኣብ ዘኽእሉ መዳያት ሓቢሮም ክሰርሑ ብቐንዱ ድማ ሶማል ኣንጻር ሽበራ ንተካይዶ ዘላ ቃልሲን ፡ ሃገራዊ ሰራዊታ ንምድልዳልን ኽደጋገፉ ከምዝተሰማማዑ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ፡ እተን ንተራጸምቲ ሓይልታት ሊብያ በብመንገደን ክድግፋ ዝጸንሓ እተን ሃገራት ፡ ጸጥታ ሊብያ ንምርግጋእ ሓቢረን ክመኽራ ምስምማዐን እዩ እቲ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ወጽዩ ዘሎ ሓበሬታ ዘነጽር።
ግብጽን ቱርክን ምስ ሶማል ኣብ መዳይ ጸጥታን ወፍሪን ገዘፍቲ ውዕላት ኸቲመን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኾይኑ: ናይ ቅድም ምትህልላኸን ኣወንዚፈን ብሓባር ናይ ምስራሕ መንፈስ ከንጸባርቓ ምጅማረን ፡ ነታ ኣብ’ዚ ዞባ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ጽልዋኣ ከተሕይል ትጐዪ ዘላ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ከቕስን ከምዘይኮነ ይንገር።