ካብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዝረአ ዘሎ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣዲኣ ኣበባ፡ ትማሊ ውን ብዝሓየለ መልክዑ ቀጺሉ ምውዓሉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ትማሊ ኣብ ከባቢታት መብራት: ላፍቶ :ሳሪስ :ኣደይ ኣበባ: ሉቡ :ሙዚቃ ሰፈርን ካልእን ፓትሮል ዝዓይነተን መኪና ብዝሓዙ ኣባላት ፖሊስ፡ ብፍሉይ ናብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘናጻጸረ ሰፊሕ ግፋ ክካየድ ምውዓሉ ዝገለጹ እቶም ምንጭታትና፡ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ውን ክሳብ ገዛ ገዛ ብምኻድ ትሕቲ ዕድመን ነብሰጾራትን ከይተረፈ ናይ ምውሳድ ተግባራት ይረአ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ክሳብ ዝኮነ ዝኸውን ኣብ ገዛካ ኮፍ ምባል ዝሓሸ ኣማራጺ ምኳኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ኣብታ ከተማ ዝነብር ስደተኛ መንእሰይ ካብ ግዳይነት ጉጅለ ህግደፍ ሓራ ወጺኡ፡ ን ኢትዮጵያ ስጋኣት ካብ ምኳኑ ክጥንቀቅን፡ ፖለቲካ ህግደፍ ደጊም ኣብ ኢትዮጵያ ቦታ ከምዘይብሉ ተረዲኡ ኣብ ኣካኡዱኡ ስርዓት ክገብርን”ዮም ዝምዕዱ።
ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ቲክቶክ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሽበራን ፈከራን መልእኽታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝመደበሮም ኤርትራውያን ይካየድ ምህላዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጽኒዕዎ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም፡ ወላ ውን ፌክ ኣካውንት ተጠቂሞም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ መርዛም ነገራት ክገብሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ሓደጋ ክበጽሖም ስለዝክእል፡ ወላ ውን እቶም ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣብ ምግባር ዝጸንሑ ክጥንቀቁን ካብ ከሙኡ ዓይነት ተግብውራት ክርሕቁን”ዮም ዘተሓሳስቡ ።
ኣብ ጎደና ሽጋራ ምትካኽ፡ መስተ ሰቲካ ምዕግርጋር፡ ባእሲ ረበሻ፡ ፍሉጥ መለለዪ ኤርትራውያን ኣብ’ታ ከተማ ኮይኑ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ባህሪ እዚ ንፖሊስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ወላ ውን ንህዝቢ እታ ከተማ ኣዚዩ ኣጽሊእዎ ብምህላዉ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ነቶም ወረቀት ዘይብሎም ስደተኛታት ክሳብ ናብ ኤርትራ ክትመልሶም ውን ምሉእ መሰል ስለዘለዋ፡ ብስነስርዓት ዝነብር ስደተኛ ከይልከምን ኣብ ኢድ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ከይወድቅን መንእሰያት ክቱር ጥንቃቀ ከዘውትሩ”ዮም ዝጽውዑ።