መሪሕነት ህወሓት ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስልጣንን ሓይልን ክማቐል ዝብል ሓሳብ ፍጹም ቅቡል ከምዘይከዉን ቤት ጽሕፈት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወግዒ ገሊጹ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ10 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ላዕለዎት ኣባላት ህወሓት ንንጥፈታት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምትዕንቓፍ ሓሊፎም ካብ ስሩ ንምዕላዉ እዉን ይሰርሑ ከምዘለዉ ጠቒሱ: ምስ’ዞም ወገናት እዚኦም ምምቕራሕ ስልጣንን ሓይልን ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ምውጋይ ከምዘይህሉ እዩ ኣነጺሩ ዘሎ።
ብዶክተር ደብረጼን ዝምራሕ ወገን ህወሓት ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ብሓባር ይሰርሕ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ዝገዘፈ ክፋል ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ጽልዋ ኣረጋጊጹ ከምዘሎ እንዳተዋስአ ፡ ንህላዌን ስራሕን ግዝያዊ ምምሕዳር ንምጭዋይ ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ እዋናዊ መግለጺ እቲ ምምሕዳር ዝኸስስ ዘሎ።
ኣብ ላዕለዎት ኣባላት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝብእስ ዘሎ ትፍናን: ነቲ ህዝቢ ትግራይ ወዲቕዎ ዘሎ ቅልውላው ፍጹም ዝረስዐ ኾይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ። ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ምሉእ ደገፍ ኣውሒሰ ኣለኹ ኢሉ ዝኣምን ግዛዊ ምምሕዳር እታ ክልል ምስቲ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ተመሳሳሊ ደገፍ ንኸዉሕስን ናብ ስልጣን ክምለስን ኣብ ጻዕሪ ዘሎ ዝመስል መሪሕነትን ህወሓት ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ክርፍስ ናብ ብረታዊ ጎነጽ ከየምርሕን ነቲ ገና ብሓድጊ ኲናት ተሰኒፉ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ግዳይ ከይገብርን እዩ ተሰጊኡ ዘሎ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣመሓደርቲ ከተማታትን ወረዳታትን ከዉርድን ክስይምን በቲ ሓደ: መሪሕነት ህወሓት ድማ ንዝኾነ በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነቕሉ ዉሳኔታት ክጻረር በቲ ካልኣ፡ ህዝቢ ግራይ ድሕነቱን ሕውየቱን ፍጹም ተረሲዑ ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
ኣብ ትግራይ ገኒኑ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ገበናት መን ይተሓተተሉ ኣብ ዝብል ጉዳይ ኩሎም ንፖለቲካ ክልል ትግራይ ኣብ ዉሽጢ ይኹን ካብ ኣዲስኣበባ ኾይኖም ክጸልዉ ዝቀዳደሙ ወገናት ሕድሕድ ካብ ምክሳስ ኣየዕረፉን።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍን እቲ ሃጓፍ ዘንቀሎ ስርዓት ኣልቦነትን መሊሱ ንኽብእስ ዛጊት ዘድሊ ተበግሶ ክወስድ ዘይተራእየሉ ቀንዲ ምኽንያት ፡ እቲ ኩነታት ቀይዲ ኪበትኽ እሞ ነቲ ጉዳይ ኣደብ ንምትሓዝ ብዝብል ምስምስ ኪዳቐቚ ንዝደልዮም ማእከሎትን ላዕለዎትን ኣባላት ህወሓት ፡ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምትሕብባር ናብ ድጐና ንምምራሖም መደብ ስለዘለዎም’ዩ ዝብሉ ወጋናት እዉን ኣለው።