ትማሊ ረቡዕ 6 ሕዳር 2024 ኣብ ልዕሊ ካማላ ሃሪስ ብምዕዋት መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ከምዝተዓወተ ብወግዒ ዛኣወጀ ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ዝህቦ ስርሑ ሕጋዊ ሰነዳት ንዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ምስጓግ ምኳኑ ይንገር ምስ ምህላዉ፡ ብዙሕ ሻቅሎት ከምዝፈጠረ ተገሊጹ።
ወሃቢት ቃል ንጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕ ዝኮነት ካሮሊን ሌቪት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ዶናልድ ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ካብ ዝወሰዶም ቀዳሞት ስጉምትታት ሓደ፡ ሕጋዊ መንበሪ ሰነዳት ንዘይብሎም ስደተኛታት ንምስጓግ ዝኣተዎ መብጽዓ ምፍጻም ምኳኑ ምግላጻ፡ ኣብ ሓያለ ዜጋታት ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ዶናልድ ትራምፕ ብድምጺ ህዝቢ ኣመሪካ ቅድሚ ዓለም ኣገራሚ ዓወት ከምዘመዝገበ ዝገለጸት እታ ወሃቢት ቃል፡ “እዚ ዓወት ትራምፕ ኣብ ጎስጓሱ ንዝኣተዎ መብጽዓታት ክፍጽም ‘ሓላፍነት’ ዘሰክሞ”ዩ ዝብለት ኮይና። በዚ መሰረት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምቅናስ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ ክኸውን ከምዝክእል”ያ ትገልጽ።
እዚ ናይ ማስ ዲፖርቴሽን እማመ ትራምፕ፡ ሕጋዊ ስነዳ ንዘይብሎም ስደተኛታት ብጅምላ ናብ መበቆል ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ ምኳኑ ዝገለጸት እታ ወሃቢት ቃል፡ በዚ መሰረት ቅድሚት ዝስራዕን ተፈጻሚ ዝከውንን ምኳኑ”ያ ኣረጋጊጻ ትርከብ።
ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ፡ ሕጋዊ ሰነዳት ንዘይብሎም ስደተኛታት ዝምልከት መብጽዓ ኣትዩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ “ፓስፖርቶም መንዚዕና ናብቲ ዝመጹሉ ክንመልሶም ኢና” ብምባል ሚሊዮናት ስደተኛታት ንምስጓግ ቃል ምእታዉ ዝዝከር”ዩ።
ትራምፕ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ብውሕዱ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚልዮን ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምስጓግ መደብ ከምዘለዎ”ዩ ዝሕበር።