ኣብ መዓስከር ኣለማዋጭ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቘም ዘለዉ ስደተኛታት ኣሕዋትና ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ዝጎንፎም ዘሎ ናይ ሂወት ፈተና ንዝምልከቶም ኣካላት ይጠርዑ እኳ እንተለዉ ተግባራዊ ፍታሕ ከምዘየለ ኣምሪሮም።
እቶም ስደተኛታት ኣብ መረረኦም : ኣብ’ቲ መዓስከር ዘሎ ርኡይ ጸጥታዊ ሃጓፍ ግዳያት ቀጸልቲ ተግባራት ጭዉያ፡ ርስያ፡ መግረፍቲን ቅትለትን ይገብሮም ከምዘሎ ናብ ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ከምኡ’ዉን ናብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ዘለዉ ጥርዓን ግቡእ ኣቓልቦ ይረክብ ከምዘየለ ጠቒሶም : ኩሉ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዝነብር ኤርትራዊ ድምጹ ከስመዕ ደጊሞም ይምሕጸኑ ኣለው።
ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራዉያን: እቲ ኣብ ኣለምዋጭ ዘሎ ከቢድ ጸገም ተረዲኦም ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን ጨናፍራት ኣህጉራዉያን ትካላትን ኽጠርዑን ሰላማዊ ስለፍታት ከጽዕቚን ዝጸውዑ እቶም ኣሕዋትና: ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ እዉን ፖለቲካዊ ፍልልላይቶም ንግዜኡ ወንዚፎም ንድሕነት ናይቶም ኣብ ኣልምዋጭ ዝቕተሉን ዝግረፉን ዘለዉ ኣሕዋቶም ድምጾም ከበርኹ ተላብዮም።
ወይ ጸጥታ እቲ መዓስከር ክወሓስ ውይ ድማ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ክፍቀደሎም ዝጽውዑ ዘለዉ እቶም ኣሕዋትና: ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃቦም ዘሎ ምላሽ ካብ ጥዑም ቃል ዘይሓልፍ ጥበራ ምዃኑ ይወቕሱ።
ኣብ’ቲ መዓስከር ብዕጡቓትን ሸፋቱን ዝካየዱ መጥቃዕትታት ይቕጽል ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ትሑት መሰረታዊ ቀረባት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕሰም መነባብሮ ኸይኣክል : ናብቲ መዓስከር ብዝሰልኩ ዕጡቓት ዝራሰዩ፡ ዝጭወዩን ዝቕተሉን ናይ ዘለዉ ኣሕዋትና ብዝሒ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ምንጭታት ፡ እቲ መዓስከር ንኣገልግሎት ክፉት ካብ ዝኾነሉ ግዜ ጥራይ ዛጊት ሂወት ልዕሊ 20 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጠፊኡ ከምዘሎ የረድኡ።