መንግስቲ ሶማል ንምክትል ቘንስል ኢትዮጵያ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ጠቕሊሉ ክወጽእ ኣዚዙ ። ሚኒስትሪ ወጻእኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ሽርክነትን ሶማል ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: እቲ ዓሊ መሓመድ ኣዳን ዝተባህለ ሶማላዊ ዲፕሎማት ኣብ ምስ ሕላፍነቱ ኣብ ዘይዛመድ ንጥፈት ወፊሩ ምጽናሑ ብምውቃስ እዩ ነዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዘሎ።
እቲ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ፡ ንዓንቀጻት ዲፕሎማስያዊ ርክባት 41ን 42ን ናይ ዉዕል ቬና ምጥሓሱ ዝጠቐሰ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ሽርክነትን ሶማል : ሶማል ዲፕሎማስያዊ መትከላት ክዕቀብን ልኣላዊ ኽብረታ ከይትንከፍን ብዘለዋ ጽኑዕ መትከል ፡ እቲ ኣብ ጥሕሰት ዝተረኽበ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ዘይብቚዕን ካብታ ሃገር ድማ ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ክወጽእን ምውሳና ኣረዲኡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማል ወሲኹ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኣምባሳደሩ ንልዝብ ናብ ሶማል ኪመጽእ ጸዊዕዎ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ።ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እዉን ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሙኽታር መሕመድ ዋረ ተመሳሳሊ መግለጺ ምውጻኣ ኣይርሳዕን።
እዚ ዲፕሎማስያዊ ስጒምቲ ሶማል ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዕለታዊ ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና ነዳዲ ዝዉስኽ ኮይኑ: እዚ ዲፕሎማስያዊ ምርሕሓቕ እዚ ነቲ ነተን ሃገራት ናብ ዘተ ንምቕራብ ዝካየድ ጻዕሪ ብኣሉታ ዝጸሉ ከምዝኸዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብሪ ይሕብሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፡ ምስ ሶማል ናይ 10 ዕመት ወተሃደራዊን ቊጠባዊ ዉዕል ከቲማ ዘላ ቱርኪ፡ እታ ኽትልእካ ምዃና ከተወዓውዓላ ዝጸንሐት ኣብ ገማግም ሶማል ነዳዲ እትድህስ ዓባይ መርከብ ድሮ ሞቓዲሾ ምእታዋን :ንሓለወኣ ዝወፍሩ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ምስ ገለ መራኽቦም እዉን ምስኣ ኣትዮም ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።
ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣትያቶ ዘላ ስምምዕ ንምውዳቕ ምስ ጎረባብቲን ዞባውያን ሕይልታትን ህውኽ ዝምድናታት ተራጒድ ዘላ ሶማል: ድሮ ምስ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ስዑድያ፡ ኤርትራን ካልኦትን ድልዱልን ገዘፍቲ ወተሃደራዊ ውዕላት ኣብ ምድልዳል ትርከብ።