ኣብ ሃገራት ስደት ብሓፈሻ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ፡ ብዘይጠቕሙ ውልቃዊ ዘይምስምማዓት ኣብ ሞንጎ መንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ መጻምድቲን መቓርብቲን ዝዛይዱ ዘለዉ ምጉድዳኣት: ንኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ቀጻሊ የሻቕል ኣሎ።
ካብ ዉሽጢ ዓዲ ዝመጽኡና ዘለዉ መልእኽታት : ኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምረሖ መሰረታዊ ጠንቂን ዕላማን ዘንጊዑ ፡ ኣብ ልዕሊ መጻምድትኻ ፡ ብጾትካ ፡ ኣሕዋትካን መቕርብካን ክሳዕ ህይወት ምሕላፍ ዝኸዱ ኣካላዊ ምጥቕቓዕ ፡ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ይመኽሩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራባዊ ዓለም ተሰዲዶም ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ንዘማዕብልዎምን ንዘልምዕዎምን መንገዲታት ህይወት ኸስተብህሉ ዘዘኻኽሩ እቶም መልኽታት: ናብ ወልፍታትን መንፈስ ተሳዓርነትን ንዘምርሑ መንገድታት ኪነቕሕሎምን ክርሕቑሎምን ተላብዮም።
እቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝበኣሰ ጸገማትን መሰናኽላትን ሰጊሮም ናብ ዝሓሸ ቦታ ዝበጽሑ መናእሰያትና ፡ ለዚብካ ክፍትሑ ብዝኽእሉ ጸገማት ተሰኒፎም ኣብ ምቅትታልን ምጉድዳእን ኪኣትዉ ዘምሕር ከምዘይኮነ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝብና ብቐጻሊ የተሓሳስብ ምህላዉ ይንገር።
ኤርትራዉያን መንእሰያት ስደት፡ ብዝነኣሱ ግድላት ናብራን ኲነታትን ተናዊጾም ኣብ ልዕሊ ህይወቶምን ህይወት ካልኦትን ሓደጋ ኪወድቊ ኽትርእይ ዘሕዝን ኾይኑ: እቶም መንእሰያት፡ ነብሶምን ኩነታቶምን ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ኮይኑ ዝኾነ ፍጡር ክጸሮ ንዘይክእል ሕሰም ተጸሚሙ ንመጻኢ ዝትስፎ ዘሎ ህዝቦም ብምንጽጻር ኪጓዓዙ ይግባእ።