ብጉልባብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ከተማ ስያትል ኣብ ልዕሊ 13 ደልይቲ ፍትሒ ተመስሪቱ ዘሎ ሲቪላዊ ክሲ : ብህግደፍ ተመዊሉ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድልዱል መርትዖ ናብ ኢድ ደልይቲ ፈትሒ ኣትዩ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ኣብ መጋቢት 2024 ንኣባላት 4ይ ግንባርን ኣባላት መንእሰያት ህግደፍን ብዙም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝለሓዀ ምስጢር ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ደልይቲ ፍትሒ ትሸሪሑ ዘሎ ዉዲት ናይ ህግደፍ ስራሕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኾይኑ ኣሎ።
ቃላት ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ብርሃነ ከምዘነጽሮ: “ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ህዝባን ዝጻባእ ዘሎ ጸላኢና ብ4ይ ግንባርን ካልኦት ውዳበታትን ግንባርን ኣብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ከሲስና ንምስዓሮምን ንሓዋሩ ከምዘይምለሱን ተዓጢቕና ኣለና” ኢሉ እንዳፈከረ እዩ ተሰኒዱ ዘሎ።
ኣቶ ብርሃነ ኣስዒቡ፡ ነዚ ዓርሞሽሽ ገንዘባዊ ወጻኢታትን ክኢላዊ ዓቅሚ ሰብን ስሙር ቃልሲ ከምዝሓትትን ከም ሃገራዊ ክተት ቀዳምነት ከምዝወሃቦን ብምጥቃስ ድማ፡ ህዝቢ ገንዘብ ከዋጽእ፡ ንጸለውቲ ሰባት ከእምንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጎስጓስ ከካይድን ከሲ ክቕጽል ምዃኑን ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ብካድርን ወኪልን ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ብርሃነ ተነጺሩ ከምዘሎ፡ እቲ ብጉልባብ ማሕበረ ኮም ከተማ ስያትል ተመኽንዩ ኣንጻር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ቤት ፍርዲ ፈደራል ተጀሚሩ ዘሎ ሲቪላዊ ክሲ ዋናኡን ወዳቢኡን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑን፡ ኣብ ወጻኢ ንዝርአ ተቃውሞ ኤርትራውያን ንምድረቋስ ብሰፊሑ ከም መደብ ሒዝዎ ከምዘሎን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ፡ ፈለማ ነቶም ብተወፋይነት ኣብ ቅድመ ግንባር መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምህራምን ምርዓድን ቀጺሉ ከኣ፡ ኣብ ስደት ዝኾነ ምንቕስቃስ ደለይቲ ፍትሒ ከምዘይህሉን፡ ፈትዩ ጸሊኡ ንጉጅለ ህግደፍ ተማእዚዙን መሰሉ ተረጊጹን ክነብር ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ እዚ ልሒዂ ዘሎ ሓበሬታ እኹል ምስክር እዩ።
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሲያትል ከም ዘይመንግስታውን ዘይሻራውን ትካል ኮይኑ ተመዝጊቡን ካብ ትካላት ኣመሪካ ብዙሕ ሓገዛት ክቕበልን ሓለፋን ክግበረሉን’ኳ እንተጸንሐ፡ በዚ ሕጂ ተነጺሩን ተቓሊዑ ዘሎ ቀጥታዊ ናይ ፖለቲካን ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናይ ምስርጣይ እኩይ ተግባራቱን፡ ኣብ ዓይኒ ሕጊ ክኣቱ ምዃኑ፡ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ግዱሳት ይገልጹ። እዚ ሓቂታት’ዚ ድማ ነቲ ትካልን ንኣካየድቱን ብሓላፍነት ዘሕትት ኢዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብቁጽሪ 14064 ዝፍለጥ እገዳ ዘለዎም ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኤርትራን፡ ዝኾነ ኣብ ኣመሪካ ዝነጥፍ ትካልን ይኹን ውልቀሰብ ነዚ ስርዓት ዘርብሕ ሓገዝ ገንዘብ ይኹን ብጉልባብ ፈስቲቫላትን ምትእኽኻብ ሰባትን ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታትን፡ ኣብ ሕጋዊ ጠመተ ዘእቱ ኢዩ።