ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝኮነ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኦክላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘቃንዖ፡ ንመክፈሊ ክራይ ኣዳራሽ እኳ ብዝተዋጸአ ገንዘብ ዝሸፈነ ፍሹል ኣኬቡኡ፡ ብበዳህቲ ሕቶታትን ዘላፋን ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ከምዝተዋረደ፡ ነቲ ኣኬባ ብቅርበት ዝተከታተሉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም።
ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ገሹ ምስ ውልቀ መላኪ ኢሰያስን ጉጅሉኡን ተራኪቡ፡ ኣብ ኣመሪካን ከባቢኣን ንዝነብሩ ደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ዝጥብር መዐሸዊ ፕሮፖጋንዳዊ ተልእኮ ሒዙ ዝተመልሰ ፈጻሚ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፡ ኣብቲ ሰዓት 2 ዝተመደበ ናይ ሳን ሆዘን ኦክላንድ ኣኬቡኡ፡ ድሕሪ ናይ 5 ሰዓታት ዘርጠብጠብ ሰዓት 7 ኣኬቡኡ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ’ቲ ብዙሕ ፍረ ዘይነበሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ መድረኹ፡ ከምዝሓለፈ ዓመታት ዜጋታት ዓዲ ኣቲኩም ከተውፍሩ ትክእሉ ኢኩም ዝብል መዐሸዊ ቃላት ሒዙ ምምጽኡ፡ ካብ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ከቢድን በዳህን ሕቶታትን ዘለፋታትን ተቀቢሉ ብዘይ ፍረ ተዋሪዱ ኣኬቡኡ ከምዝዓጸወ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ኣብ ባይታ ብዘይጭበጥ ኩምራ ቃላት ንደገፍቱ መዐገሲ ተስፋታት እንዳሃበ ዝናበር ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ኣፈኙኡ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት ኣቢሉ፡ ሃገር ኣብ ዕብየትን ገስጋስን ምህላዋ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኬባ ከእምን ዝፈተነ ኮይኑ፡ ዜጋታት ካሎኦት ሃገራት ንዳግመ ህንጸት ሃገርንን ዓበይቲ ወፍርታትን ናብ ሃገር ምእታዎም ጠቂሱ፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ውን ብተመሳሳሊ ናብ ሃገር ካኣትዉን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት እታ ሃገር ከውፍሩ ከምዝክእሉን፡ መንግስቲ ውን ንወፍሪ ዝምችእ ጥጡሕ ባይታ ከምዘንጸፈን ክገልጽ ድሕሪ ምፍታኑ ብተሳተፍቲ ከምዝተዋረደ”ዩ እቲ ዝተረክበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣብቲ ኣስታት 40 ዝኮኑ ተሳተፍቲ ጥራሕ ዝተረክብዎ ናይ ሳን ሆዘን ኦክላንድ ኣኬባ፡ ተሳተፍቲ ንቃላት እቲ በዓልስልጣን፡ ዝሓለፈ 30 ዓመታት በቲ መንግስቲ”የ ዝብል ጉጅለ ክደጋገም ዝጸንሐ፡ ኣብ ባይታ ግን ውጺኢት ዘይተረክቦ ተስፋታት ጥራሕ”ዩ ክብሉ ዝነጸግዎ ኮይኖም፡ ኣብ ሃገር ገዛ ክንሰርሕ ፈቂድኩም ተባሂልና ዝሸጥኩምልና መሬት ከይንሰርሖ ከልኪልኩምና ከተብቅዑ፡ እንታይ ዓይነት ወፍርታት ከነካይድ”ዩ ዝድለ ዘሎ ዝብል በዳሂ ሕቶ ድሕሪ ምቅራቦም፡ ንሓድሽ ወፍርታት ሃገር ካኣትዉ”ሲ ይትረፍ ንመሬት ዝተከፍለ ገንዘቦም ውን ክምለሰሎም ብምሕታት፡ ኣፈኛ ህግደፍ ብርሃነ ገብርሂወት ክምልሶ ብዘይክእል በዳህቲ ሕቶታት ከምዘዋረድዎ”ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣብ ካላእ ናይ ኦክላንድ ኣኬቡኡ ብተመሳሳሊ ክምልሶ ዘይክእል ከቢድ ብድሆ ዝገጠሞ ፈጻሚ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፡ ሕቶታት ንምምላስ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንናይ ወፍሪ ዕድላት ገቢቱ፡ ህዝቢ ፋሕ ኣቢሉ፡ ድካ ህዝቢ ይፈጥር ምህላዉ ብምክሳስ፡ ንኣሽካዕላል እቲ ጉጅለ ክቅበሉ ከምዘይኮኑ ብምግላጽን ኣኬባ ብምርጋጽን ከምዘዋረድዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ይርከብ።
ንዝበዝሑ ኣባላቱ ሲኢኑ በብቁሩብ ናብ ዝነበሮ ናይ ጥፍሽና መድረክ ዝምለስ ዘሎ ጸረ ህዝብን ሃገርን ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን እንተኮነ ነቲ ብመንገዲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣቢሉ ዘቅረቦ ዝተነጽገ ናይ ወፍሪ ጻውዒት ብመንገዲ”ቶም በዳህቲ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ እኳ ድፍረትን ሓላፍነትን ዘይብሎም ኣሳሰይቱ ኣቢሉ ንከረጋግጾ ብምሕላን፡ ኣብ ሃገር ናይ ወፍሪ ዕድላት ተኸፊቱ ምህላዉን መንግስቲ ውን ዜጋታት ጸጋታቶም ዘውፍርሉ መድረክ ኣጣጢሑ ኣውፈርቲ ከአንግድ ተዳሊዩ ምህላዉ እኳ ክገልጽ እንተሓገየ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ግን፡ እንትርፎ ን10 መዓልቲ ቤተሰብ ርእዩ ዝምለስ፡ ኣብ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ ኣሚኑ ወፍሪ ክገብር ዝንቀሳቀስ ዜጋ ክረክብ ብዘይምካኣሉ፡ ንውድቀት እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ዘሪኢ ኣጋጣሚ ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዘረዱኡ።