ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ወሃብቲ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ንናይ ደጋሎ ሕሜቲ ጉጅለ ገዲፉ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ከምዝተጸንበረ፡ ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ኢዱ ዝሃበ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ምስ ገለ ወተሃደራቱ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከምዝተጸንበረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ብሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝተፈጸመ ኢድካ ናይ ምሃብ ተግባር፡ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ናብ ቅሉዕ ግጭት ካብ ዛኣትዉ ንንየው፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ተግባር ምኳኑ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኢዱ ናብ ሰራዊት ሱዳን ዝሃበ ዓቢ ወተሃደራዊ መኮነን፡ ኣባል ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ግዛኣት ኣል ገዚራ ዝነበረን፡ ኣቡ ኣግላ ካይካል ዝተሰምየ መኮነን ኮይኑ፡ ንዕጡቅ ሓይሊ ቁልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ ገዲፉ ናብ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ብደገፍቲ ሰራዊት ሱዳን ስእሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ኣብ ምዝውዋር ከምዝርከብን ዓቢ ሓጎስ ከምዝፈጠረን”ዩ ሮይተርስ ዝሕብር።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፡ ኣቡ ኣግላ ካይካል ዝፈጸሞ ተግባር ቀዲሙ ምስ ሰራዊት ሱዳን ብምስምማዕ ዝተገብረ”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣቡ ኣግላ ካይካል፡ ልዕሊ እቲ ዝፈጸሞ ናይ ክድዓት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ”ቶም ምስኡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ዝሰገሩ ወተሃደራት ቁልጡፍ ደገፍ ውን ጉድኣት ከም ዘውረደን ገበን ፈጺሙ ከምዝተሰወረን”ዩ ከሲሱ ዝርከብ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ መግለጺኡ፡ ዝተወሰኑ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ቁልጡፍ ደገፍ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኬይካል ንዳዕመል ሰሪዕ ገዲፉ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክጽንበር ዝወሰነ፡ ብሰንኪ እቲ ዳዕመል ሰሪዕ ዝክተሎ “ኣዕናዊ ኣጀንዳ” ከምዝኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ኢዱ ዝሃበ በዓል ስልጣን ግን ንጉዳዩ ኣመልኪቱ ዝኮነ ይኩን ርእይቶ ካብ ምሃብ ከም ዝተቆጠበ”ዩ ሮይተርስ ዘረድእ።
ሓይልታት ቁልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣብ ዝርከብ ኩናት ሱዳን ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ተቆጻጺሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ብሰንኪ”ዚ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሱዳናውያን ሓይልታት ዝተወለዐ ግጭት፡ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ጥራሕ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ፡ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ንድርቅን ጥሜትን ተቃሊዑ፡ ብክልቲኦም ወገናት ከኣ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝዓደመ መድረክ ምፍጣሩ፡ ቀጻልነት ሱዳን ከም ሃገር ኣሰካፊ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኲናት ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን፡ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ሓመቲ ዝምራሕ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ኣብ 2023 ዝተወለዐ ኮይኑ፡ ንነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብህዝባዊ ማዕበል ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ 2021 ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ስልጣን ተካፊሎም ድሕሪ ምጽናሕ”ዮም፡ ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሱዳን ኣብ ታሪካ ሪእያቶ ናብ ዘይትፈልጥ ግጭት ክታኣቱ ጌሮም ዝርከቡ።